ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ ኣብ 3ይ ሃገራዊ ጉባኤ ዓፋር ኤርትራ 2026 ብወኪሉ ተሳቲፉ
ታሪኽ ሓርነታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣኽራናት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዉን እዩ ነይሩ! ፕረስደንት ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ ቺፍ ኢንጂነር ፓውሎ ኣንቶንዮ!
ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ (ማባኤ) ብተገብረሉ ዕድመ መሰረት ኣብቲ ካብ ዕለታት 04-05 ሓምለ ብማንዛ ዝተካየደ መበል 3 ሃገራዊ ጉባኤ ዓፋር ኤርትራ ተሳቲፉ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ፕረስደንት ማባኤ ቺፍ ኢንጂነር ፓውሎ ኣንቶንዮ ኣብ ዘቅረቦ ናይ ደገፍ መደረ፣ ማባኤ ምስ ህዝቢ ዓፋርን ምስቶም ንሰላማዊትን፡ ዲሞክራስያዊትን ንኹሉ ዘጠቓለለት ኤርትራ ዝሰርሑ ዘለዉ ኩሎም፣ ማባኤ ዘለዎ ደገፍ ክገልጽ ዕድል ስለ ተዋህቦ ንኣሰናዳኢት ሽማግለ ድሕሪ ምምስጋን ንምንቅስቃስ ዓፋር ኤርትራ ሓፈሻዊ ደገፉ ሂቡ። ፕረስደት እቲ ማሕበር ቀጺሉ፣ እቲ ንስራሕ ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ዝገብርዎ ዘለዉ ደገፍን ኣፍልጦን ድሕሪ ምምስጋን ንምንቅስቃስ ዓፋር ኤርትራ ሓፈሻዊ ደገፉ ሂቡ። ፕረስደት እቲ ማሕበር ቀጺሉ፣ እቲ ንስራሕ ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ዝገብርዎ ዘለዉ ደገፍን ኣፍልጦን ድሕሪ ምምስጋን ንኽብርን ንመጻኢ ዕድልን ኤርትራውያን ገፈፍቲ ዓሳ፡ ባሕረኛታትን ኩሎም ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነብሩ ማሕበረሰባትን ንምክልኻል ዘሎና ቃል-ኪዳን ጽኑዕን ዘይሕለልን ሙካኑ ኣስሚሩሉ።

Fig. 1. 2026/ተሳታፍነት ማባኤ ኣብ መበል 3 ሃገራዊ ጉባኤ ዓፋር ኤርትራ
ኣብ ሓባራዊ ታሪኽና ብሓባር ክንዝክሮ ከለና፣ ንኣሽሓት ዓመታት፡ እቶም ደቀባት ዝኾኑ ህዝቢ ዓፋር ምስ ማሕበረሰብ ዳህላክን ካልኦት ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነብሩ ህዝብታትን ብምዃን ምስ ቀይሕ ባሕሪ ብምሉእ ስኒትን ሰላምን ተደጋጊፎም እዮም ዝነበሩ ነይሮም። ንሳቶም ካብቶም ቀዳሞት ባሕረኛታት፡ ገፈፍቲ ዓሳ፡ ናይ ባሕሪ ነጋዶን ኪኢላታት ሞጋዓዝያ ባሕሪ እዚ ዞባና እዮም ኔሮም። ቀይሕ ባሕሪ ናይ ስራሕ ቦታ ጥራይ ኣይነበረን፤ ብኣንጻሩ ቤቶም፡ ባህሎምን እንታይነቶምን ዉን እዩ።
ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት መግዛእታዊ ስርዓታት፡ እዞም ማሕበረሰባት እዚኦም ንባህሎም፡ ንፍልጠት ባሕሮምን ንባሕርያዊ ውርሻኦምን ብትብዓት ዓቂቦም ኣጽኒሖም እዮም። ኣብቲ ዝሓሰመ ናይ ፈተና እዋን እኳ ምስ ቀይሕ ባሕሪ ዝነበሮም ጽኑዕ ምትእስሳር ከቶ ኣየጥፍኡን። ኣብቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝተኻየደ ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዙሓት ገፈፍቲ ዓሳ-ዓፋር፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝነብሩ ማሕበረሰባትን ዓቢ ኣበርክቶ ንሰውራ ኤርትራ ገይሮም እዮም። ብዛዕባ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ምስ ደሴታቱ ዝነበሮም ዓሚቝ ፍልጠት ንቃልሲ ሰውራ ኤርትራ ዓቢ ደገፍ ኮይኑ እዩ። ከም ኩሎም ኤርትራዉያን ኣህዛብ፣ ብዙሓት ስድራቤታት ተቀማጦ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ዓቢ መስዋእቲ ከፊሎም ዉን እዮም፣ ኣበርክቶኦም ድማ ወግዓዊ ኣካል ታሪኽ ኤርትራ ኮይኑ ወትሩ ክዝከርን ክኽበርን ሙካኑ ፕረስደንት ማባኤ ኣብቲ ጉባኢ ንኣበርክቶ ህዝቢ ዓፋር ኤርትራ ኣጉሊሑ ብቅራብ፣ ታሪኽ ሓርነት ኤርትራ ኣብ ኣኽራናት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እውን ከም ዝነበረ ኣብሪሁ። እቶም ባህላዉያን ገፈፍቲ ዓሳ ኣብ ማያት ኤርትራ
ዓሳ ብምግፋፍ፡ ምስቶም ኣብ ማዕዶ ቀይሕ ባሕሪ ዝርከቡ ጎረባብቲ ማሕበረሰባት ንግዳዊ ርክባት ይገብሩ ነይሮም። ብወደባት ዓሰብ፡ ምጽዋዕን ደሴታት ገማግም ቀይሕ ባሕርን ኣቢሎም፡ ዓሳን ካልእ ኩቡራት ተፈጥራዉያን ሃብቲ ቀይሕ ባሕሪ ከም ሉል ባሕሪ ዝኣመሰሉ ብምሻጥ፡ ንዉሽጢ ሃገር ድማ ዝተፈላለዩ ኣገደስቲ ሃለክቲ ጥረ ነገራት ከም መግቢ፡ መድሃኒት፡ ክዳውንትን ካልእ መሰረታዊ ጠለባት ንስድራቤቶምን ንዕዳጋን የቅርቡ ነይሮም። እዞም ባህላዉያን ንጥፈታት ንግዲ እዚኦም ንኤርትራ ምስ ጎረባብቲ ማሕበረሰባት የመን፡ ጅቡቲ፡ ሱዳንን ኢትዮጵያን ብምትእስሳር፡ ሰላማዊ ናይ ቁጠባ ባህልን ርክባት ፈጢሮም እዮም።
ምግፋፍ ዓሳ፡ ናእሽቱ ንግዲ፡ መጓዓዝያን ቱሪዝምን ንኣሽሓት ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነብሩ ስድራቤታት ናይ ስራሕ ዕድል ብምፍጣር ማላዊ ሃብቲ ፈጢሩሎም እዩ። እቲ ጽንዓትን ጽባቐን ዝመልኦ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ምስ ደሴታቱን ብተፈጥራዉያን ጸጋታት ዉን ዝሃብተመ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንቱሪዝምን ንቑጠባዊ ዕብየትን እውን ዓበይቲ ዕድላት ዝኸፍት እዩ ነይሩ፡ ሕማቅ ኣጋጣሚ፣ መብዛሕትኡ እዚ ባህላዊ ኣነባብራ እዚ ሎሚ ብዓሚቝ ተሃስዩን ተተንኪፉን ከም ዝርከብ ኣብሪሁ።
ፕረስደንት ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ፣ ቺፍ ኢንጂነር ፓውሎ ኣንቶንዮ ዉን ብምቅጻል፣ ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ዞባዊ ግጭታትን ፖለቲካዊ ወጥሪታትን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ንዝነበረ ባህርያዉን ንቡር መነባብሮ ተቀማጦ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራን ብፍላይ ንህዝብና ህዝቢ ዓፋር ኣብ ርእሲ ዝነበሮ ጸቅጢ እዞም ኩነታት ዉን ዓቢ ተራ ከም ተጻወቱ ከየብረሀ ኣይሓለፈን።
እቲ ኣብ ደሴታት ሓኒሽ ዝተኻየደ ግጭት፡ ኣብቶም ባህላዉያን ገፈፍቲ ዓሳ ንዝነበሮም ምንቅስቓስ ዓቢ ደረትን ምምዝባዕን ገይሩሉ እዩ። እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡትን ዝተፈጥረ ወጥሪ ድማ ነቲ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ናይ ገማግም ባሕሪ ንግድን ምንቅስቓስን ኣዝዩ ኣተዓናቒፍዎ እዩ።
ሎሚ፡ እቲ ምስ የመን ዝተሓሓዝ ግጭት ሓዊሱ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝቕጽል ዘሎ ዘይምርግጋእ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊያን ገፈፍቲ ዓሳ ሓደስቲ ሓደጋታትን ስግኣታትን ፈጢሩ ይርከብ። ብዙሓት ገፈፍቲ ዓሳ ሕጂ፡ ብሰላም ክምለሱ ምዃኖም ከይፈለጡ እዮም ንግሆ ንግሆ ካብ ገዝኦም ዝወጹ። ብዛዕባ ምግፋፍ ዓሳ ጥራይ ካብ ምሕሳብ ሓሊፎም፡ ብዛዕባ ናይ ጸጥታ ስግኣታት፡ ምንቅስቓስ ወተሃደራዉያን መራክብን ነፈርት፣ ኣብ ባሕሪ ዘሎ ናይ ግጭት ሓደጋታትን ክጭነቁ ይገደዱ ኣለዉ።
ምስዚ ብምትእስሳር ድማ ቱሪዝም ፈጺሙ ቂሂሙ፡ ባህላዊ ንግድን ምግፋፍ ዓሳን ኣዝዩ ተዳኪሙ፡ ብዙሓት ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነብራ ስድራቤታት ድማ ነቲ ቀንዲ ምንጪ እቶቶም ኣብ ሓደጋ ይርከብ። እቲ ሓደ እዋን ተስፋ ዝህብ ዝነበረ ባሕሪ፣ ቀይሕ ባሕርና፡ ሎሚ ንብዙሓት ስድራቤታት ናይ ስግኣትን ዘይምርግጋእን ሃዋህው ሰፊንዎ ከም ዘሎ ኩሉና ንዕዘቦ ሓቂ ኮይኑ፣ ኣድህቦና ግን ከምቲ ዝግባእ ኣይኮነንን ዘሎ።

Fig. 2. ፕረሲደንት ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ – ቺፍ ኢንጂነር ፓውሎ ኣንቶንዮ
´´ታሪኽ ሓርነታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኣኽራናት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዉን እዩ ነይሩ! ፕረስደንት ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ ቺፍ ኢንጂነር ፓውሎ ኣንቶንዮ!´´
እቲ ፕረስደንት ብምቅጻል፣ ብህርያዊ ብከላ ቀይሕ ባሕሪ ንባዕሉ ናይ ምክልኻል ሓላፍነትና ዝወስድን ዝከታተልን ግቡእ መረዳእታ ዘቅርብ ኣካል ዘድልዩ ኣገዳሲ ዓውዲ ዉን ሙካኑ ኣብሪሁ። ብከላ፡ ከባቢያዊ ዕንወትን ሳዕቤናት ግጭትን ነቲ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዘለዉ ፍሉያትን ክቡራትን ስነ-ህይወታዊ ስርዓት ባሕሪ (marine ecosystems) ኣብ ሓደጋ የእቶዎ ከም ዘሎን ጠመተ ከም ዘድልዮን ሓቢሩ።
ብምቅጻል፣ ´´ ከም ፕረዚደንት ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ መጠን፡ እዚኦም ናይ ባሕሪ ጉዳያት ጥራይ ከም ዘይኮኑ እኣምን። እዚኦም ናይ ሰብኣዊ ኽብሪ፡ ፍትሒ፡ ዘላቒ ልምዓት፡ ዕቀባ ከባቢን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትን ጉዳያት ዉን እዮም።´´ ድሕሪ ምባል ንገፈፍቲ ዓሳና ክንከላኸል ከለና፡ ንውሕስነት መግብና፡ ንባሕርያዊ ውርሻና፡ ንከባቢናን ንመጻኢ ኤርትራን ኢና ነስተማቕርን ንከላኸልን ዘለና፣ ብምባል፣ ´´ ነፍሲ ወከፍ ገፋፍ ዓሳ ብዉሕስነት ናይ ምስራሕ መሰል ይግብኦ እዩ።´´ ኢሎም። ብምቅጻል ´´ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ገማግም ባሕሪ ዝነብር ስድራቤት ብኽብሪ ናይ ምንባር ዕድል ይግብኦ። ነፍሲ ወከፍ ቆልዓ ድማ ዉሑስ ባሕርን ሰላማዊ መጻእን ናይ ምውራስ መሰል ኣለዎ ´´ ብምባል ´´ ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ምስቶም ብሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ኽብሪ ሰብኣዊ መሰላትን ማዕረ ዕድላት ንኹሎም ኤርትራውያንን ዝኣምኑ ኹሎም ሓቢሩ ንምስራሕ ዘለዎ ጽኑዕ ቃል-ኪዳን ወትሩ የረጋግጽ፣ብዙሕነትና ሓይልና እምበር ድኻምና ከም ዘይኮነ ብጽኑዕ እኣምን። ሰላማዊትን ዲሞክራስያዊትን ኤርትራ ክትህነጽ እትኽእል ብዘተ፡ ምክብባር፡ ማዕርነት፡ ቅዋማዊ ምሕደራን ብቑዕ ተሳትፎ ኩሎም ሃገራውያን ማሕበረሰባትናን ጥራይ እዩ።´´ ብምባል ንእምንቶ ማባኤን እምንትኡን ኣነጺሩ።
´´ቀይሕ ባሕሪ ከቶ ከም ናይ ግጭት ቦታ ጥራይ ክዝከር የብሉን። ዳግማይ ናይ ሰላም፡ ምሕዝነት፡ ወፍርን ንግድን፡ ዘላቒ ልምዓትን ሓባራዊ ብልጽግናን ባሕሪ ክኸውን ይግባእ´´፣ ዝበለ ቺፍ ኢንጂነ፣ ነቶም መጻኢ ወለዶታት ፍርሒ ዘይኮነስ ተስፋ፡ ግጭት ዘይኮነስ ምትሕብባር፡ ፍልልይ ዘይኮነስ ኣብ ፍትሕን ማዕርነትን ዝተመስረተ ሓድነት ንምውራስ ሓቢርና ንስራሕ ብምባል ጻዊዒቱ ንተሳተፍቲ 3ይ ሃገራዊ ጉባኤ ዓፋር ኤርትራ 2026 ኣቅሪቡ።
ንዝያዳ ሓቤሬታ – 3ይ ሃገራዊ ጉባኤ ዓፋር ኤርትራ 2026
ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ
ኣካያዲ ስራሕ – ካፕ.ኢን. መሪሕ ሃብተ ሓጎስ (Msc.)
10.07.2026
