ኣገደስቲ ዕለታትን ፍጻመታት ታሪኽ ባሕረኛታት ኤርትራ
• ብምክፋት መትርብ ስወጽ ኣብ 18 ክፍለ ዘመን ቀይሕ ባሕሪ ስሩዕ ምንቅስቃስ መራኽብ ኣብ ማእክላይ ባሕሪ ተጀሚሩ፣ ናይ ጥልያን ሺፒን ላይን ሩባቲኖ ትባሃል ትካል ኣብ ወደበ ዓሰብ ብ1869 ቤት ጽሕፈት ተከፊቱ፣
• ባሕረኛታት ኤርትራ ካብ ኩሉ ኩርናዓት ኤርትራ ብምምጽእ ኣብ ትሕቲ ዝተፈላለዩ ባዕዳውያን መግዛእትታት ክሳብ ናጽነት ኤርትራ (1991) ክሰርሑ ጸኒሖም፣
• ድሕሪ 2ይ ኩናት ዓለም ካብ 60ታት ክሳብ 70ታት ብፍላይ ኤርትራውያን ባሕረኛታት ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ዝርከባ ዝተፈላለያ ናይ ውልቂ መራክብ ክስርሑ ጀመሩ፣
• ቀዳማይ ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ኣብ ምጽዋዕ (ባጽዕ) ብ1975 ፈለማ ከም እተመስረተ መዛግብ ታሪኽና ይሕብሩ፣ እንተኮነ ግና ብሰንኪ ተቃውሞ ስርዓት ኢትዮጵያ ንክዕጾ ተገደደ፣
• ኣብ 70’ታት ብዙሓት ባሕረኛታት ናብ ቃልሲ ኤርትራ ከም እተጸምበሩ ታሪኽ ባሕረኛታት ኤርትራ ይሕብር፣
• ኣብ 80’ታት እቲ ናይ ስራሕ ትሕተ ቅርጺ ካብ ቀይሕ ባሕሪ ናብ ጋልፍ ዓረብ ስለ ዝዛዘወን ብምኽንያት እዚ ድማ ባሕርኛታት ኤርትራ ካብ 21 ክፍለ ዘመን ኣትሒዞም ናብ ሃገራት ጋልፍ ብስራሕ ክጽምበሩ ጀመሩ፣
• ድሕሪ ናጽነት ኤርትራን ሺፒን ላይን ዝተባህለ መንግስታዊ ትካል ከም ዝተከፍተ ዝፍለጥ ኮይኑ በዚ ኣጋጣሚ ድማ ብዙሓት ባሕርኛታት ናይ ምስራሕን ስለጠና ዕድል ንክረኽቡ ጥጡሕ ዝኮነ ባይታ ከም ዝተፈጠረሎም ይፍለጥ፣
• ኣብ እዚ ሕጂ እዋን ኣስታት 1500 ዝግመቱ ባሕረኛታት ኤርትራ ኣብ መላእ ዓለም ተዘርጊሖም ይርከቡ፣
SEO Service
Awesome post! Keep up the great work! 🙂
America's Finest Apparel
Great content! Keep up the good work!
Yohannes Yemane
ሰላም ባሕረኛታት ኤርትራ
ኣብዚ ሕጂ እዋን ባሕረኛታት ኤርትራ 1500 ማለት ኣብ ዓለም ኣለው ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ምስ ኤርትርያን ሽፒን ላይን ዝሰርሑ ክንደይ ይህልው፥ እቲ ኤርትርያን ሽፒን ላይን ከ ኣብ ከመይ ኩነታት ይህሉ ከም ትካል።
ስለ ትህቡኒ ሓበሬታ ኣቀዲመ የመስግን!
ዮሃንስ የማነ
ካብ ሽወደን