መግለጺ ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ ኣብ ዛዕባ ህሉው ኩነታት ዘይርጉእነት ጸጥታ ዉሕስነት ሓለዋ ኣባላት ባሕሬኛታት ኣብ ወሽመጥ ዓረብን ጽልዉኡን
ቦርድ ዳይረክተራት ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ ንህዝብታትን ተቀማጦን ዞባ ወሽመጥ ዓረብን ፐርሽያን ብሰሪ ኩናትን ሳዕቤናቱን ብዝወርደኩም ዘሎ ጉድኣት ዘለና ልባዊ ድንጋጸ ንገልጽ። ኩሎም በዚ ዝተጎድኡ ኣህዛብ ቅልጡፍ ሕውየትን ጽገናንን ብዘለዎ ሰላምን ምርግጋእን ክወርዶም ሰናይ ምንዮትና ንገልጽ።
እዚ ኣብ መላእ ግዝኣታዊ ማያት ምዕራብ ኤስያ ኣስፋሕፊሑ ዝርከብ ኩናት ዘይተገመተን ብዙሕ ዕንወት ኣውሪዱን እናውረደ ይከይድ ብምህላዉ ቦርድ ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ ከም ኩሉ ኣብቲ ዞባ ዝርከቦ ሞያውያን ማሕበራት ብዉሕስነት ባሕሬኛታቱ ስክፍትኡ እናዓበየ ብምካዱ እዚ ዝስዕብ መግለጺ የውጽእ።

Image 1. More than 300 ships are stranded. Image from the Internet Archive.
ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ ንኩሎም ባሕሬኛታት እቲ ዞባ ብሓፈሻ ንኤርትራውያን ኣባላት ማሕበር ድማ ብቀንዱ ኣብ ከምዚ ተሃዋሲ ኩነታት ንባሕሬኛታት ድምጺ ብሙካን ኩነታቶም ኣብ ምክትታል ይርከብ።
ባሕረኛታት ዓንዲ ሕቆ ዓለማዊ ስለ ዝኮነ ድማ መሰላቶምን ድሕንነቶምን ብዓለምለኻዊ ሕጊ ሞጋዓዝያ ባሕሪ ዝተረጋገጸ እዩ። እዚ ድማ ብናይ ሕቡራት ሃገራት ውዕል ዕዮ ባሕሪ (MLC 2006)ን SOLASን ሓዊሱ፣ ብፍሉይ ንኣብ ልዑል ሓደጋ ዘለዎ ከባቢታት ናይ ግጭት ዝጣበቅ እዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ኤርትራውያን ዜጋታት ዝርከብዎም ኣሽሓት ዓለምለኻውያን ባሕረኛታት ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ትሕቲ ሓደገኛ ኩነታት ይርከቡ። ብዙሓት ኤርትራዉያን ባሕሬኛታት ካብ ዝነጥፍሉ ናይ offshore supply ኮይኑ ኣብ ርእሲ እቲ ልዑል ሞያዊ ብቅዓት ዝሓትት ሙካኑ ጥራይ ዘይኮነ ንጥፈታቶም ንሓደጋ ዝተቃሎዐ ዉን ሙካኑ እዩ። መሳሌጣታት ንምዉጻእ ነዳዲ ባሕሪ በዞም ባሕሬኛታት ዝካየድ ብሙካኑ በዚ ኩናት ምዕራብ ኤስያ ካብቶም ብልዑል ተቃላዕቲ ኮይኖም ዝርከቡ እዮም።

ስእሊ 2. ናይ ባሕሪ ቀረብን ደገፍን ዝህባ መራኽብ፣ ብሰንኪ እቲ ዝተሓላለኸ ጠለባተን ንዝለዓለ ሓደጋ ዝተቓለዓ እየን፤
ባህሪ ስርሕ እዞም ባሕሬኛታት ዘይከም እቶም ካልኦት ባሕሬኛታትን ሓደጋ ንምቅናስ መስመር ጉዕዞ ክቅይሩ ኣይካሉን፣ ከባቢታት ንጥፈታት ስራሕ ብቀሊሉ ከግዕዙን ክቅይሩ ኣይክእሉን ብሙካኖም ድርብ ወጽዓን ጾርን የጋጥሞምን ተቓላዕቲ ይገብሮም ብምህላዉ ማባኤ ዓቢ ስክፍታ ፈጢሩሉ ይርከብ። ምስ ዘሎ ህሉው ኩነታት ምዕጻው ወደባትን ናይ ስርሒት ገደብን ንቡር ምዝውዋር ሰራሕተኛታት ዳርጋ ዘይከኣል ብምግባር ብዙሓት ሰራሕተኛታት ተነጺሎምን ኣብ ትሕቲ ጸቕጢ ክሰርሑ ተገዲዶም ይርከቡ።
እዚ ህሉው ኩነታት ንቡዙሕ ዝጸለወ ኮይኑ ገና ብሕጂ ኣንፈቱ ዘይተገማቲ ኮይኑ ኣብ ዝቅጽለሉ ዘሎ ህሞት ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ እዚ ኩነታት ንዞባና ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ከይጸልዎ ዓቢ ስክፍታ ካብ ዘሕደረሉ ዉን እዩ። እቲ ድሮ ወጥሪ ካብ ዝሰፍኖ ነዊሕ ዘቁጸረ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብረብሓ ጂኦፖለቲክስ ዓበይቲ ሃገራት ብመገዲ ሃገራት እቲ ዞባ ካእል ቅልዉላው ከይፍጠር ይፍራሕ ምህላዉ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። እዚ ድማ ነቲ መሰረታዊ ጂኦፖለቲካዊ ጸቕጥታት እናሓየለ ስትራተጂካዊ ሓደጋታት ዝያዳ ከጋድዶ ብምግባር እዩ።
ኣብ ከባቢ ከም መጻብቦ ሆርሙዝ ዝኣመሰሉ ዓበይቲ ናይ ባሕሪ ምሕንካኽ ነጥብታት ዝረአ ዘይምርግጋእ:ናብቶም ኣብ ዓለምና ኣዝዮም ተሃዋስያን ወሰንቲ መስመራት መራኽብ ዝኾኑ መጻብቦታት ቀይሕ ባሕር – መጻብቦ ባብ ኤል–ማንደብን ሓዊሱ ናብ ጎረባብቲ ከስፋሕፍሕ ልዑል ተክእሎታት ፈጢሩ ይርከብ።

ስእሊ 3. ቀንዲ መጻብቦ ዓለምና ፣ ስእሊ ካብ ኢንተነት ኣርካይቭ
ኣብዚ ድሮ ተበፃሕነት ቁልፊ መስመራት ባሕሪ ንናይ ተነሓናሕቲ ስትራተጂካዊ ረብሓታትን ጉዳይ ኮይኑ ዘሎ ኩነታት ተወሳኺ ዘይምርግጋእ ምዕራብ ኤስያ ነዚ ጸቕጢ ከጋድዶ ይኽእል፣ ንጸጥታ ባሕሪ ተወሳኺ ብድሆታት ክቅጽል፣ ዓለማዊ ቀረብ ሰንሰለት ምዝራግ ክቅጽል፣ ከምኡ’ውን ተቓላዕነት ባሕረኛታት፣ ማሕበረሰባት ገማግም ባሕርን ከባቢታት ባሕርን ክውስኽ እዩ። እዚ ኣሉታዊ ምዕባለታት እዚ ንምክልኻልን ንኹሉ ውሑስ ብዝገብር መስመር ንግዲ መራክብ ንምርግጋጽን ዝተዋደደ ኣህጉራዊ ስጉምቲ ብህጹጽ ከምዘድሊ ዘጉልሕ እዩ።

ስእሊ 4. ኣገደስቲ ወደባት – ስእሊ ካብ ኣርካይቭ
በዚ ኣጋጣሚ ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ ንመንግስታትን ዘይመንግስታዉያን ትካላት መስመር ንግዲ ባሕሪ ኮነ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካላት ማሕበራት ሰራሕቴኛታትን ዕዮ ባሕርን እዚ ዝስዕብ ጻዊዒት የቅርብ፣
- ድሕነትንምክልኻልን ባሕረኛታት ምርግጋጽ፣ ውሑስ ምዝውዋር ባሕሬኛታት ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ምውጻእን ሓዊሱ መታትን ክካየድ እጃምኩም ክትፍጽሙ።
- ብመሰረትኣህጉራዊ ሕጊ ባሕሪ ንመስመራት ሲቪላዉያን መራክብ ከም ዘባሃል ዘሎ ሓላዉ ክጅመር።
- ኣብልዑል ሓደጋ ዘለዎም ዞባታት ንጥፈታት ባሕሪ ንምክልኻል ንጡፋት ስጉምትታት ክዉሰድ መሪሕ ተራ ክትጻወቱ።
ድሕነት ባሕረኛታት ምርግጋጽ ኣብ መላእ ዓለም ርጉእን ውሑስን ስርሓት መስመር ባሕሪ ንምዕቃብ መሰረታዊ እዩ። ቦርድ ዳይረክተራት ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ ምዕባለታት ብቐረባ ብምክትታል ንድሕነትን መሰላትን ኤርትራውያን ባሕረኛታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ዞባታት ወሽመጥን ቀይሕ ባሕርን ዝሰርሑ ኣህጉራውያን መሳርሕቶም ክጣበቕን ድምጺ ኣብ ምካንን ክቕጽል እዩ። ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ ምስ ኣህጉራውያን ትካላት ባሕሪን ዝምልከቶም ኣካላትን ብምትሕብባር ንምስራሕ ቅሩብ ሙካኑ የረጋግጽ።
ብስም ቦርድ ዳይሬክተራት ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ
ፓውሎ ኣንቶንዮ ጎቫኒ
ፕረዝደንት
ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ
