ኣብ ካዛኪስታን ኣብ ዝርከብ ክፋል ባሕሪ ካስፒያን ዝርከብ ካሻጋን፡ ክሳብ ኣሉታ -35 ዲግሪ ዝወርድ ብርቱዕ ዛሕልን ልዑል መጠን ሃይድሮጅን ሳልፋይድን ሓዊሱ ኣብቲ ቦታ ምስራሕ ከቢድ ይገብሮ። እዚ ብድሆታት’ዚ እናሃለወ፡ ኤርትራውያን ባሕረኛታት ሓዊሱ ካብ መላእ ዓለም ዝመጹ ክኢላታት ሰብ ሞያ ባሕሪ ሞያዊ ክእለቶምን ተወፋይነቶም ዘርኢ ዕዉት ንጥፈታት ዕደና ነዳዲ ብዕዉትን ዉሑሱን መንገዲ ይካየድ።

This slideshow requires JavaScript.

ካብ ዝተሓተ ክሳብ ዝለዓለ ምሕደራን ንጥፈታትን Caspian Ocean LLP ዘካይዱ ዝነበሩ ገዳይም ኤርትራዉያን ባሕሬኛታት ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ባሕሬኛታት ብምምጻእን ግቡእ ቅድመ ስራሕ ስልጠናታትን ብምሃብ ስርሖም ዝጀመሩ ባሕሬኛታት ኣከታቲሎም ብሉጽ ባሕሬኛ ዝብል መዳልያታት ክሕዙ ግዜ ኣይወሰደሎምን። እዚ ብገዳይም ኤርትራዉያን ባሕሬኛታት ኣብ 2011 ዝጀመረ ናይ ኤርትራዉያን ባሕሬኛታት ናይ ምትሕግጋዝ ባህሊ ዘነጸባረቀ ኤርትራዉያን ባሕሬኛታት ብተወሳኪ ስልጠናታት ተወዳደርቲ ብምግባር ኣብ ንጥታት ባሕሪ ምውፋር ምኩል ጽላል ክህልዎ ኣብ 2015 ማሕበር ባሕሬኛታት ተመስሪቱ።

እዞም ባሕረኛታት ነቲ ቅድሚ ሕጂ ኣጋጢምዎም ዘይፈልጥ ጽንኩር ኩነታት ኣየር ብምብዳህ ብብቅዓት ምህንድስናዉን ባሕራዉን ክእለቶም ከመስክሩ ብምክኣሎም በቲ ትካል ዓመታዊ ኣብ ዝወሃብ ኣፍልጦ ክወስዱ በቂዖም እዮም። Caspian Ocean LLP ኣብዞም ኤርትራዉያን ኢትዮጵያዉያንን ባሕሬኛታት እምነት ብምሕዳር ንኣሰራርሓ ካስፒያን ኦሽን ብዝምጥን ዓለምለኻዊ ደረጃታት ድሕነት ንምምላእን ጽዑቅ ተወሳኪ ስልጠናታት ብብእዋኑ ኣብ ዝህበሉ ዝነበረ እዋን ብልዑል ብቅዓት ዛዚሞም እዮም። ቀንዲ ማሕንቆታት ባሕሬኛታትና ኮይኑ ዘሎ እቲ ኣዝዩ ክቡርን ግድን ክዉሰድ ዘለዎ ተወሰክቲ ቴክኒካዉን ድሕነት ማእከል ዝገበረ ሓጸርቲ ኮርሳት እዮም። ባሕሬኛታትና ብምህንድስና ኮነ ምምራሕ መራክብ ተመሪቆም ኣብ ስራሕ ኣብ ዝዋፈርሉ እዋን ብሰንኪ እዞም ዓለምለካዊ ደረጃ ዝሓለዉ ሰርቲፊኬት ኮነ ስልጠና ክረክቡ ብዘይ ምክኣሎም ምስ ብቅዓቶም ኣብ ካልእ ሞያ ክዋፈሩ ይግደዱ ኣለዉ።

Caspian Ocean LLP እቲ መጀመርታ ደፊሩ ነዞም ባሕሬኛታትና ኣሚኑ ብመገዲ እቶም ኣቀዲሞም ኣብቲ ትካል ዝሰርሑ ዝነበሩ ኤርትራዉያን ገዳይም ባሕሬኛታት ኣቢሎም ነዚ ዕድል ዝሃቡ ትካል እዩ። ከም መሰረታዊ ናይ ባሕሪ ድሕነት ስልጠናታት ማለት BOSIET፣ ተወሳኪ ናይ ባሕሪ ህጹጽ ስልጠና (FOET)፡ ከምኡ’ውን መሰረታዊ ናይ ኢንዱስትሪ ድሕነት ስልጠና (MIST) ዝኣመሰሉ ኣብቲ ሃዋህው ንምስራሕ ኣገደስቲ ኔሮም። እዞም ብኦፒቶ ዝጸደቑ ምስክር ወረቐት ንውሕስነት ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ጽላት ሞያ ባሕሪ ብተሞክሮን ብቅዓት ጽፉፍ ስራሕ ንምዕባይ እውን ኣገደስቲ ኔሮም።

እዞም ሎሚ ብዝለዓለ ጽፍሒ ኣብቲ ትካል ኮነ ትካላት ቀይሮም ኣብ መላእ ዓለም ተዋፊሮም ዝሰርሑ ዘለዉ ኤርትራዉያን ባሕሬኛታት ናይ ጽባሕ ዓንዲ ሕቆ ቅጦባ ዳግማዊት ዓባይ ሃገረ ኤርትራ ሰብ ሞያ ባሕሪ ደቂ ቀይሕ ባሕሪ እዮም እሞ፣ ክብሪ ንዕኦም፣ ዕብየትን ንዕኦም።

በዚ ኣጋጣሚ ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ ንኩሉ ኤርትራዊ ዘቅርቦ ጻዊዒት ተልዩ ንስካ ወይ እቲ ኣብ ጎንካ ደሎ ናይ ጽባሕ ራኢና እካ እኩም ኣሞ ሞያ ባሕሪ ቀዳሞት ምርጫታትኩም ክትገብሩ ንጽዉዕ።

Rate this post

Leave a Reply