ማሕበር ባሕረኛታት ኤርትራ (ማባኤ) ሕጋዊ መስርሓት ብምምላእ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ነቲ ማሕበር ብወግዒ ብምምዝጋብ ዕብየት ኣመዝጊቡ።

እዚ ሕጋዊ ኣፍልጦ ብሃገረ ኢንግሊዝ፣ ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ ደረጅኡ ብዝያዳ ብምዕባይ  ምስ መንግስታዉያንን ዘይመንግስታዉያንን ኣካላት ኣብ ዝገብሮም ስርሓት ተቀባልነቱ ብደረጃ ኣህጉር ብምዕባይ ዝያዳ ስርሓቱ ንምስፋሕ ክሕግዞ እዩ። ብቀንዱ ብማእከልነት ነቲ ኣብ ሃገራት ጋልፍ ዓረብ ዝተደኮነ ቀንዲ ኣካሉ ኣማእኪሉ ኤርትራዊ ባሕሬኛ ምስ ምዕቡል ምዕራባዊ ዓለም ብምትእስሳር እዚ ማሕበር ንዕብየት ባሕሬኛታቱ ኣብ ዝገብሮ ስርሓት ዓቢ ድርኪት ክህቦ ተስፋ ኣምቢሩሉ ይርከብ።

ማባኤ ኣብ ምዕቃብ ባህላዉያን ባሕሬኛታት ዓፋርን ደናኪልን ሓዊሱ ሞያዉያን ባሕሬኛታትና ንምዕቃብን ንምሕያልን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ማባኤ ንኤርትራውያን ባሕሬኛታትና ኣብ ስደት ምስትንእጋድ ዕድላት ኣብ ምክፋት እዩ ጸኒሑ። እዚ  ብፍሉይ ብትምህርትን ስልጠናን ክእለቶም ንምዕባይ ብሙጉስጋስን ሓቤሬታ ብምስናቅን ኣብተን ናይ ስደት ሃገራት ምስ ማሕበረሰብ ባሕሬኛታት ብምዉህሃድን እዩ። ኣብ ዓውዶም ክቕጽሉ ምግባር ኮነ ንኣብ ስደት ዝርከቡ ኤርትራውያ ብፍላይ ድማ ንኣብቶም ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝርከቡ ኣቶኪሩ ኣብ ምስራሕ እዚ ሕጋዊ ኣፍልጦ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ መርበብና ንክሰፍሕ ሓጋዚ እዩ። ነቲ ኣብተን ሃገራት ዝርከብ ምዕቡል ትምህርቲ ባሕሪ፡ ከም ሳይንስ ባሕሪ፡ ምህንድስና ባሕሪ፡ ምህናጽ መራኽብ፡ ከምኡ’ውን ንግዲን ምሕደራን ባሕሪ ቀዳማይ ምርጭኦም ክከዉን ኣብ ምጉስጋስ ሓደ ካብ ዕላማታትና ኣብ ምፍጻም ክሕግዘና እዩ።

ኤርትራ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዘለዋ ነዊሕ ገማግም ባሕሪ ኣብ ግምት ብምእታው፡ እዞም ዓውድታት እዚኣቶም ነታ እንሓልማ መጻኢት ኤርትራ ሃገርና ኣገደስቲ እዮም። ከም መቀጸልታ ሕጋዊ ስርሓት ማባኤ፣ ምዝገባ ማሕበና ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ነዚ ራእይ ኣብ ምዉቃዕ ዓቢ ተራ ክጻወት ዓቢ ተስፋ ኣንቢሩ ኣሎና። ምስፍሕፋሕ እቲ ማሕበር ንባሕረኛታት ብሞያዊ መንገዲ ንምድጋፍ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ስደት ንመሰላቶም ኣብ ምጥባቅን ዝሓሸ ደረጃ ብምሓዝ ስርሓቱ ብዝለዓለ ክቅጽል ሓድሽ ምዕራፍ ኣትዩ ይርከብ።

ማሕበር ባሕሬኛታት ኤርትራ
UNIT C7, Queensway Market,
London, W2 4QJ

11.10.2024

Website – https://eritreanseamanunion.org/

info@eritreanseamanunion.org

email – eritreanseamanunion@gmail.com/

Rate this post

Leave a Reply